ህዝባዊ መጓዓዝያ
ኣውቶቡስ
እተን ናይ Arriva (Bravo) ናይ መስመር ኣውቶቡሳት (እተን 'ንቡራት' ዓበይቲ ኣውቶቡሳት)። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ብሓደ መስመርን ብመሰረት ቀዋሚ መደብን ይጎዓዛ።
እዚ ንመን እዩ?
ዝኾነ ሰብ በዘን ኣውቶቡሳት ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።
እዘን ኣውቶቡሳት መዓስ እየን ዝሰርሓ?
- ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ከባቢ ሰዓት 05፡30 ክሳብ ሰዓት 20፡00።
- መተሓሳሰቢ፡ እዘን ኣውቶቡሳት ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣይሰርሓን እየን።
- ዝብገሳሉ ሰዓታት ኣብ www.bravo.info ወይ www.9292.nl ተመልከቱ
ብኣውቶቡስ እናተጓዓዝኩም
ኣብታ ኣውቶቡስ፣ እቲ ዝቕጽል መውረዲ ኣብ ስክሪን ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣበይ ከም እትወርዱ ርግጸኛ ኣይኮንኩምን ዲኹም? ካብ መራሕ መኪና ሓገዝ ሕተቱ። ንሱ ድማ ደስ እናበሎ ክሕግዘኩም እዩ።
ናይ ከባቢ ኣውቶቡስ
ንኣሽቱ ኣውቶቡሳት ናይ Arriva (Bravo) ኮይነን ን8 ተጓዓዝቲ ዝኾና እየን። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ድማ ብቐዋሚ መስመራት ይጎዓዛ። እታ ናይቲ ከባቢ ኣውቶቡስ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ናብ ዘይብለን ንኣሽቱ ገጠራት እውን ተገልግል እያ።
እዚ ንመን እዩ?
ዝኾነ ሰብ በታ ናይ ከባቢ ኣውቶቡስ ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።
እታ ናይ ከባቢ ኣውቶቡስ መዓስ እያ ትሰርሕ?
- ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ከባቢ ሰዓት 07፡00 ክሳብ ሰዓት 19፡00።
- መተሓሳሰቢ፡ እተን ናይ ከባቢ ኣውቶቡሳት ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣይሰርሓን እየን።
- ዝብገሳሉ ሰዓታት ኣብ www.bravo.info ወይ www.9292.nl ተመልከቱ
ብኣውቶቡስ እናተጓዓዝኩም
ኣብታ ኣውቶቡስ፣ እቲ ዝቕጽል መውረዲ ኣብ ስክሪን ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣበይ ከም እትወርዱ ርግጸኛ ኣይኮንኩምን ዲኹም? ካብ መራሕ መኪና ሓገዝ ሕተቱ። ንሱ ድማ ደስ እናበሎ ክሕግዘኩም እዩ።
Brabantliner
ብቐንዱ ኣብ ናይ ፍጥነት ጽርግያ እትጓዓዝ ቅልጥፍቲ ኣውቶቡስ እያ። ኣብ ውሑዳት ደው መበሊታት ድማ ደው ትብል።
እዚ ንመን እዩ?
ዝኾነ ሰብ ብ Brabantliner ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።
Brabantliner መዓስ እያ ትሰርሕ?
- መዓልታዊ ካብ ከባቢ ሰዓት 05፡30 ክሳብ 23፡30።
- መተሓሳሰቢ፡ መስመራት 501ን 502ን ቀዳምን ሰንበትን ኣይሰርሓን እየን።
- መስመር 500 ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ናብ Oosterhout ትኸይድ። ኣብ ቀዳምን ሰንበትን Breda እዩ ናይ መወዳእታ ነቚጣኣ።
- ዝብገሳሉ ሰዓታት ኣብ www.bravo.info ወይ www.9292.nl ተመልከቱ
ብኣውቶቡስ እናተጓዓዝኩም
- ኣብታ ኣውቶቡስ፣ እቲ ዝቕጽል መውረዲ ኣብ ስክሪን ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣበይ ከም እትወርዱ ርግጸኛ ኣይኮንኩምን ዲኹም? ካብ መራሕ መኪና ሓገዝ ሕተቱ። ንሱ ድማ ደስ እናበሎ ክሕግዘኩም እዩ።
Schoolliner
(Curio prinsentuin Andel)
ኣብ መዓልታት ትምህርቲ ካብን ናብን Curio prinsentuin Andel ዝጓዓዛ ናይ መስመር ኣውቶቡሳት ናይ Arriva (Bravo) እየን።
እዚ ንመን እዩ?
ዝኾነ ሰብ በዘን ኣውቶቡሳት ክጓዓዝ ይኽእል እዩ። ንቡራት ኣውቶቡሳት እየን፣ እንተኾነ ግን ብፍሉይ ካብን ናብን ኣብ Andel ናብ ዝርከብ Curio prinsentuin እየን ዝጎዓዛ። በዚ ምኽንያት ድማ ብፍላይ ቤት-ትምህርቲ ንዝኸዱ ቆልዑት ምቹኣት እየን።
Schoolliner መዓስ እያ ትሰርሕ?
ኣብ መዓልታት ትምህርቲ ጥራይ (ኣብ እዋን ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣይሰርሓን)።
እቲ ዝጎዓዛሉ ግዜታት ድማ ምስቲ ኣብ Andel ኣብ ዝርከብ Curio prinsentuin ዝወሃቡ ትምህርቲታት ዝተሳነየ እዩ።
ንተማሃሮ ናይ Curio prinsentuin Andel
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.curio.nl/vmbo/prinsentuin-andel/schoolbussen ይርከብ
መስመር ኣውቶቡስ 174 ንግሆ ክልተ ግዜ ካብ Wijk en Aalburg Kromme Nol ኣብ Andel ናብ ዝርከብ Curio Prinsentuin (ከም መስመር 684) ትጓዓዝ። ተማሃሮ ኣውቶቡስ ምቕያር ኣየድልዮምን እዩ።
ድሕሪ ቀትሪ ድማ እታ ኣውቶቡስ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ጀሚራ ክልተ ግዜ ናብ Wijk en Aalburg Kromme Nol ትኸይድ (ከምኡ እውን ሽዕኡ ከም መስመር 174 ናብ Made ገጻ ትቕጽል)።
ግብራዊ ሓበሬታ
ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?
ንዋጋታት ኣብዚ ተመልከቱ፡
www.bravo.info
www.9292.nl
ወይ ናብ 0900 - 9292 ደውሉ
ንምፍላጡ ጽቡቕ
- መሰጎሚ መንኰርኰር ወይ ዓረብያ ስንኩላን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
- እንስሳ ዘቤትን ሓገዝቲ ኣኽላባትን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
ብኸመይ ትኸፍሉ?
- ኣብ ኣውቶቡስ ብናይ ባንክ ካርድኹም ወይ ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድኹም
- ክትስቐሉ እንከለኹም ካርድኹም ኣመዝጊብኩም እተዉ (ኢንቸከን)፣ ክትወርዱ እንከለኹም ድማ ኣሰሪዝኩም ውረዱ (ኣውትቸከን)
- ካብ መራሒ መኪና ትኬት ክትገዝኡ እውን ትኽእሉ ኢኹም (ብናይ ባንክ ካርድ ጥራይ፣ ብጥረ ገንዘብ የለን)
ርክብ
Arriva: 0800 - 0232 545
www.bravo.info
ናይ ጒዕዞ ምኽሪ፡ 0900 - 9292
www.9292.nl
ኣገልግሎት ጃልባ
ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት በቲ ሩባ ዝሰገሩ ኣገልግሎታት ጃልባ ኣለዉ።
መንገዲታት
ናይ እግረኛን ብሽክለታን ጃልባ (Riveer)
- Woudrichem - Gorinchem (ኣብ ናይ በጻሕቲ ማለት ቱሪስት ወቕቲ ድማ ናብ Slot Loevestein ከምኡ እውን Fort Vuren መተኣሳሰሪ ኣገልግሎት ኣሎ)
- Sleeuwijk - Hardinxveld - Werkendam
- Sleeuwijk - Gorinchem
- Werkendam - Hardinxveld - Sleeuwijk - Gorinchem
- ናይ ማይ ታክሲ ምሕዛእ ብመንገዲ 0183 - 65 93 14 (3 ምረጹ)
- Pontje Steur፡ Werkendam - Biesbosch (ናይ እግረኛን ብሽክለታን ጃልባ)
- ጃልባ Lage Zwaluwe – Jacominaplaat Biesbosch
- ናይ መኪና ጃልባ (Riveer)
- Biesbosch (Kop van 't Land) - Dordrecht
- Veen – Aalst
- ዝያዳ ሓበሬታ፡ www.riveer.nl / 0183 65 93 14 (1 ምረጹ)
- ናይ መኪና ጃልባ (Bergsche Maasveren)
- Dussen - Sprang Capelle (ናይ መኪና ጃልባ)
- Drongelen - Waalwijk
- ዝያዳ ሓበሬታ፡ www.bergschemaasveren.nl
ባቡር
ኣብ ኣልቴና ባዕላ ኣገልግሎት ባቡር የለን። እተን ዝቐረባ መደበራት ባቡር ኣብ Gorinchem፣ 's-Hertogenbosch፣ Breda ከምኡ እውን Utrecht ይርከባ።
ናብተን መደበራት ባቡር ብኸመይ ክትበጽሑ ትኽእሉ?
- ብኣውቶቡስ 181
- ብ Brabantliner 500፣ 501ን 502ን
- ዝያዳ ሓበሬታ፡ www.ns.nl ከምኡ እውን www.9292.nl
ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ምግዛእን ገንዘብ ምጽዓንን
ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ብኢንተርነት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ካርድ ብፖስታ ዝመጽእ ኮይኑ፣ ኣብ ሳንዱቕ ደብዳቤኹም ዝኣቱው እዩ። ስለዚ ንኽትቅበልዎ ኣብ ገዛ ክትጸንሑ ኣየድልየኩምን እዩ። ብተወሳኺ ኣቀዲሙ ገንዘብ ዝተጻዕነ ካርድ ክትእዝዙ እውን ትኽእሉ ኢኹም፣ ስለዚ ድማ ብቕጽበት ክትጓዓዝሉ ትኽእሉ። ብተወሳኺ ብኢንተርነት ተወሳኺ ገንዘብ ክትጽዕንሉ ትኽእሉ ኢኹም።