መጓዓዝያ ብቆጸራ

Bravoflex

Bravoflex ኣቐዲምኩም ክትሓዝእዎ ዘለኩም መጓዓዝያ እዩ። ቀዋሚ መስመር ወይ ቀዋሚ ግዜታት ዘይብላ እሽቶይ ኣውቶቡስ ወይ ታክሲ እያ። ኣብ ጥቓኹም ካብ ዝርከብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ክትወስዱ ኢኹም። ብድሕሪኡ ናብቲ ዝቐረበ ናይ ዝውውር መጸበዪ ኣውቶቡስ ክትወስዱ ኢኹም። እዚ ዝዓበየ መጸበዪ ኣውቶቡስ እዩ፣ ካብኡ ድማ ብቐሊሉ ጉዕዞኹም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት De Tol ኣብ Sleeuwijk፣ Rijksweg A27 ኣብ Nieuwendijk፣ Rijksweg A27 ኣብ Hank ወይ De Kromme Nol ኣብ Wijk en Aalburg።

ስሩዕ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ኣብ ዘይብሉ ገጠር ዲኹም ትነብሩ? ስለዚ ኣብ እትነብርሉ ገጠር ፍሉይ መጸበዪ-Bravoflex ኣሎ። ካብኡ ክትውሰዱ ኢኹም። ጒዕዞኹም እንተወሓደ 1 ሰዓት ኣቐዲምኩም ክትሓዝኡ ኣለኩም።

እዚ ንመን እዩ?

ዝኾነ ሰብ ብ Bravoflex ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።

Bravoflex መዓስ እዩ ዝሰርሕ?

  • ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም፡ ሰዓት 07፡00 - 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)
  • ሰንበትን ህዝባዊ በዓላትን፡ ሰዓት 08፡00 - 24፡00

Bravoflex ኣበይ ይሰርሕ?

  • ናብ መዘዋወሪ መጸበዪ ኣውቶቡስ ወይ ናብ ካልእ ናይ ኣውቶቡስ ደው መበሊ
  • ኣብ ሓደ ጒዕዞ እንተበዝሐ 25 ኪሎ ሜተር

ጒዕዝኩም ብኸመይ ተዋድዱ?

  • ጒዕዞኹም እንተወሓደ 1 ሰዓት ኣቐዲምኩም ሕዝኡ።
  • ናብ 088 -350 3500 ደውሉ።
  • ወይ ብመንገዲ ኣፕ ብሞባይልኩ ተሌፎንኩም። እቲ ኣፕ ‘Deeltaxi West-Brabant’ ይበሃል።

ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?

  • ናብ ናይ ዝውውር መጸበዪ ኣውቶቡስ ንእትገብርዎ ጒዕዞ ሓደ ቀዋሚ ዋጋ ትኸፍሉ
  • ስሩዕ ኣውቶቡስ እውን እንተሃልዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ዋጋ ቁሩብ ክዛይድ ይኽእል። 

ብኸመይ ትኸፍሉ?

  • ብተሌፎን እንተድኣ ሓዚእኩም፡ ንመራሕ መኪና ብናይ ባንክ ካርድ ትኸፍሉ
  • ብመንገዲ ኣፕ እንተድኣ ሓዚእኩም፡ ብቐጥታ ብመንገዲ iDeal ትኸፍሉ
  • ናይ ህዝባዊ መጎዓያ ቺፕ ካርድ [OV-chipkaart]፣ ናይ መጎዓዝያ ውዕላትን፣ ናይ ጎደሎ ዋጋ ካርድታትን ንኽትጓዓዘሎም ብቚዓት ኣይኮኑን

ንምፍላጡ ጽቡቕ

  • መሰጎሚ መንኰርኰር ወይ ዓረብያ ስንኩላን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
  • እንስሳ ዘቤትን ሓገዝቲ ኣኽላባትን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ

ርክብ

Bravo/Deeltaxi West-Brabant: 088 - 350 3500
www.bravo.info

AutoMaatje

“ካብዚ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ክትረክብ ኣይከኣልን እዩ! ኣረጋውያን ዝያዳ ካብ ገዛ ይወጹ ምህላዎም ክንደይ ደስ ይብል። ከም መራሕ መኪና መጠን ንሰባት ብሓቂ ለውጢ ተምጽኣሎም ኢኻ።” - ሳሪና ስኸርፍ [Sarina Scherff]፣ ኣወሃሃዲት ኣብ Surplus

ወለንተኛታት ናብቶም ርእሶም-ክኢሎም ክጓዓዙ ዘይክእሉ ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ድሩትነት ዘለዎም ሰባትን፣ ናይ ባዕሎም መኪና ሒዞም ይኸዱ። AutoMaatje ተበግሶ ናይ ANWB እዩ።

እዚ ንመን እዩ?

ካልእ መጓዓዝያ ንዘይብሎም ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ድሩትነት ዘለዎም ሰባትን። ኣባል ANWB ምዃን ኣየድልየኩምን እዩ።

AutoMaatje መዓስ እዩ ዝሰርሕ?

ብምይይጥ፣ ድሉው ወለንተኛ እንተድኣ ተረኺቡ።

ናበይ?

ንኣብነት ናብ ሓኪም፣ ናብ ፊዚዮቴራፒስት፣ ናብ ምብጻሕ፣ ናብ ቤት-ጸጉሪ ወይ ዕዳጋ፣ ወይ ድማ ስድራ-ቤት ወይ ፈተውቲ ንምብጻሕ። እቲ መጓዓዝያ ካብ ኣፍደገ ናብ ኣፍደገ እዩ። 

ጒዕዝኩም ብኸመይ ተዋድዱ?

  • እንተወሓደ 2 መዓልታት ኣወቀዲምኩም ደውሉ፡ 0183 - 745260 (ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርብን፡ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ ሰዓት 12፡00)
  • ወይ ድማ ብኢመይል፡ automaatje.altena@surplus.nl

ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?

  • ቀዋሚ ክፍሊት ንነፍስወከፍ ኪሎ ሜተር (ካብ ገዛ መራሒ መኪና)
  • ተወሳኺ ናይ መቆም መኪና ክፍሊት ኣለዎ
  • ክንደይ ከም እትኸፍሉ ኣቐዲሙ ክንገረኩም እዩ

ብኸመይ ትኸፍሉ?

ድሕሪ እቲ ጒዕዞ ንመራሕ መኪና ብጥረ ገንዘብ።

ንምፍላጡ ጽቡቕ

እንታይ ክትማላእ ከም ዝከኣል ወይ ከም ዝፍቀድ ኣብቲ ወለንተኛ መራሒ መኪናን መኪንኡን እዩ ዝምርኮስ። ስለዚ ዓረብያ ስንኩላን (እዚ ክዕጸፍ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ)፣ መሰጎሚ መንኰርኰር፣ ናይ ሓገዝ ከልቢ ወይ ካልእ እንስሳ ዘቤት ኣለኩም ድዩ? ብዛዕባ እዚ ኣቐዲምኩም ተዘራረቡ።

ርክብ

ANWB AutoMaatje Altena (ብመንገዲ Surplus)

  • 0183 - 745260 (ሰኑይ፣ ረቡዕን ዓርቢን ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ ሰዓት 12፡00 ምድዋል ይከኣል)
  • ብኢ-መይል፡ automaatje.altena@surplus.nl
     

ናይ ሓባር ታክሲ West-Brabant

እዚ ናይ ሕጊ ማሕበራዊ ደገፍ (Wmo) መጓዓዝያ ናይ ምርካብ መሰል ንዘለዎም ሰባት ካብ ኣፍደገ ናብ ኣፍደገ ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር ኣገልግሎት ዝህብ ታክሲ እዩ።

እዚ ንመን እዩ?

ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሕጊ ማሕበራዊ ደገፍ (Wmo) መጓዓዝያ ክረኽቡ መሰል ንዘለዎም ሰባት።

እታ ናይ ሓባር ታክሲ መዓስ እያ ትሰርሕ?

መዓልታዊ ካብ ሰዓት 07፡00 ክሳብ 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)። 

ናበይ?

በታ ናይ ሓባር ታክሲ፣ ካብቲ መበገሲ ቦታኹም ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር (ንጽል ጒዕዞ) ናብ ዝደለኹሞ ቦታ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ልዕሊ 25 ኪሎ ሜተር ክትጓዓዙ ትደልዩ ዲኹም? እዚ ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ። ስለዚ ናብዘን ሆስፒታላት ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም፡ Gorinchem፣ 's-Hertogenbosch፣ Waalwijk፣ Tilburg፣ Oosterhout ወይ Breda።

ከባብያዊ-ጒዕዞ ናይ ሓባር ታክሲ

ከባብያዊ-ጒዕዞ ኣብ ክልተ ይምቀል፡ ውሽጣውን ግዳማውን ከባቢታት። ነፍስወከፍ ናይ ሓባር ታክሲ ጒዕዞ ኣብ ውሽጣዊ ከባቢ እዩ ዝጅምር ወይ ዝውዳእ። ስለዚ ኣብቲ ግዳማዊ ከባቢ ኣብ መንጎ 2 ቦታታት ክትጓዓዙ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ካብቲ ጠቕላላ ናይቲ ከባብያዊ-ጒዕዞ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ቦታታት እውን ክትከዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 

ጒዕዝኩም ብኸመይ ተዋድዱ?

  • ጉዕዞኹም እንተወሓደ 1 ሰዓት ኣቐዲምኩም ሕዝኡ
  • ናብ 088 -350 3500 ደውሉ
  • ወይ ብመንገዲ ኣፕ፡ ‘Deeltaxi West-Brabant’

ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?

ንነፍስወከፍ ጕዕዞ እዚ ዝስዕብ ትኸፍሉ፡

  • ናይ ምድያብ ሓደ ቀዋሚ ክፍሊት
  • ብተወሳኺ፣ ንነፍስወከፍ እትጓዓዝዎ ኪሎ ሜተር ሓደ መጠን ገንዘብ

እቲ ዋጋ ኣብ መንጎ ዝተበገስኩምሉ ነጥቢን እትወርድሉ ቦታን ንዘሎ ዝሓጸረ መስመር ጽርግያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝቕመር። 
እቲ ዋጋ ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ክትፈልጡ ትደልዩ ዲኹም? ኣብዚ ተመልከቱ፡ www.deeltaxi-westbrabant.nl/vervoer/tarieven

ብኸመይ ትኸፍሉ?

  • ኣብቲ ታክሲ ብናይ ባንክ ካርድ
  • ወይ ድማ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብኩም ኣውቶማቲክ ብዝቚረጽ

ንምፍላጡ ጽቡቕ

  • ሓደ ኣሰናዪ ሕክምና ምሳኹም ብነጻ ይጓዓዝ
  • ሓደ ኣሰናዪ ሕክምና ዘይኮነ ሰብ ምሳኹም ብጎደሎ ዋጋ ይጓዓዝ
  • መሰጎሚ መንኰርኰር ወይ ዓረብያ ስንኩላን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ (ኣብ መጽዓኒ መኪና ዝኣቱው ምስ ዝኸውን)
  • ናይ ሓገዝ ኣኽላባትን ንኣሽቱ እንስሳ ዘቤትን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ እዋን ምሕዛእ ሓብሩ።
  • ኣብታ ታክሲ በይንኹም ኣይኮንኩምን ኮፍ ትብሉ። ካልኦት ሰባት እውን ምሳኹም ክጓዓዙ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ እታ ታክሲ ሰብ ክትወስድ ወይ ከተውርድ ኣብ መንገዲ ደው ትብል እያ። እዚ ድማ ጒዕዞኹም ቁሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ከምዝወስድ ክገብሮ ይኽእል እዩ።
  • Valys ካብቲ ዝተሰማማዕኩምሉ ግዜ 15 ደቓይቕ ኣቐዲማ ወይ ድሒራ ክትመጽእ ትኽእል እያ።
  • ምኽሪ፡ እቲ መራሕ መኪና 5 ደቓይቕ ኣቐዲሙ ክድውለልኩም ዝኽእል እንተኾነ ሕተቱ። ብኸምዚ ድማ መዓስ ድሉው ኮይንኩም ክትጸንሑ ከም ዘለኩም ክትፈልጡ ትኽእሉ። 

ርክብ

088 - 350 3500 ደውሉ
www.deeltaxi-westbrabant.nl

Valys

“ንነዊሕ ጒዕዞታት Valys ንዓይ ምቹእ እዩ። ካብ ገዛይ እየ ዝውሰድ፣ ብምቖት ድማ ይጎዓዝ፣ ከምኡ እውን ክኸዶ ናብ ዘይክእል ዝነበረ ቦታታት ይኸይድ።” ሪት (76)፣ ቀጻሊ ብValys ትጓዓዝ

Valys ብሰንኪ ስንክልና ርእሶም-ክኢሎም ነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዙ ንዘይክእሉን፣ ከምኡ እውን ንኣብነት ናይ ሕጊ ማሕበራዊ ደገፍ (Wmo) ካርድ ወይ ናይ ስንኩላን ናይ መቖም መኪና ካርድ ንዘለዎምን ሰባት ካብ ኣፍደገ ናብ ኣፍደገ ኣገልግሎት ዝህብ መጓዓዝያ እዩ። Valys ንልዕሊ 25 ኪሎ ሜተር (ንጽል ጒዕዞ) ንዝግበር ጒዕዞ ዘገልግል እዩ። 

እዚ ንመን እዩ?

  • ስንክልና ዘለኩም፣ ከምኡ እውን
  • ናይ ሕጊ ማሕበራዊ ደገፍ (Wmo) ናይ መጓዓዝያ ካርድ፣ ናይ ስንኩላን ናይ መቖም መኪና ካርድ፣ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ኣሰናዪ ካርድ [OV-begeleiderskaart]፣ ወይ ካብ ምምሕዳር ከተማ ምስክር ወረቐት ዘለኩም ክትኮኑ ኣለኩም።
  • ናይ Valyspas ካርድ የድልየኩም እዩ (ነዚ ካብ www.valys.nl) ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም)።

Valys መዓስ እዩ ዝሰርሕ?

መዓልታዊ ካብ ሰዓት 06፡00 ክሳብ ሰዓት 01፡00።

ናበይ?

ብ Valys ናብ ዝደለኹሞ ቦታ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ናብ ሆስፒታል፣ ናብ ስድራ-ቤት፣ ናብ ድግስ ዓመተ-ልደት ወይ ናብ ቤት-መግቢ ንምኻድ።

ጒዕዝኩም ብኸመይ ተዋድዱ?

  • እንተወሓደ 1 መዓልቲ ኣቐዲምኩም ሕዝኡ
  • ናብ 0900 - 9630 ደውሉ (መዓልታዊ ካብ ሰዓት 06፡00 - 01፡00)

ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?

  • ክሳብ 700 ኪ.ሜ ኣብ ዓመት፣ ንነፍስወከፍ ኪሎሜተር ሓደ ቀዋሚ ዋጋ
  • ብድሕሪኡ እቲ ዋጋ ይውስኽ
  • ህሉው ዋጋታት፡ https://www.valys.nl/prijs-valys-basis

ብኸመይ ትኸፍሉ?

ኣብቲ ታክሲ ኣይኮንኩምን እትኸፍሉ። እቲ ወጻኢታት ብኣውቶማቲክ እዩ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብኩም ዝቚረጽ። ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ፡ ናይ Valys ካርድ ከተመልክቱ እንከለኹም፣ ገንዘብ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብኩም ንኽቚረጽ ሓንሳብ ፍቓድ ትህቡ። ብድሕሪኡ ዝኾነ ካልእ ነገር ምግባር ኣየድልየኩምን እዩ። ብስሩዕ ሓፈሻዊ መግለጺ ክትቕበሉ ኢኹም። ኣብኡ ድማ ነዚ ክትርእዩ ትኽእሉ፡

  • ኣየኖት ጒዕዞታት ከም ዝገበርኩም
  • ኣብ ናይ Valys ባጀትኩም ክንደይ ኪሎሜተር ተሪፉኩም ከምዘሎ

ንምፍላጡ ጽቡቕ

  • ሓደ ኣሰናዪ ምሳኹም ብነጻ ይጓዓዝ
  • መሰጎሚ መንኰርኰር፣ ዓረብያ ስንኩላን፣ ናይ ሓገዝ ከልቢን ንኣሽቱ እንስሳ ዘቤትን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
  • ኣብታ ታክሲ በይንኹም ኣይኮንኩምን ኮፍ ትብሉ። ካልኦት ሰባት እውን ምሳኹም ክጓዓዙ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ እታ ታክሲ ሰብ ክትወስድ ወይ ከተውርድ ኣብ መንገዲ ደው ትብል እያ። እዚ ድማ ጒዕዞኹም ቁሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ከምዝወስድ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

ርክብ

Valys: 0900 - 9630
www.valys.nl

ጒዕዞኩም ኣብ ምውጣን ሓገዝ

ብዛዕባ መጓዓዝያ ሕቶታት ኣለኩም ድዩ? ወይ ንጒዕዞኹም እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ኣየናይ ምዃኑ ርግጸኛ ኣይኮንኩምን ዲኹም? ኣማኻሪ ምንቅስቓስ [Mobiliteitsconsulent] ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ውልቃዊ ምኽሪ ንምርካብ ክትውከስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ ናብ ስራሕ፣ ዕዳጋ ወይ ናብ መዘናግዒ ቦታ ንምዃድ ዝኸውን ምቹእ መጓዓዝያ ንምርካብ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኹም። ንመጀመርታ ግዜ ዲኹም ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀሙ ትሓስቡ ዘለኹም፣ ግን ድማ በይንኹም ዘይምጉዓዝ ዲኹም ትመርጹ? ስለዚ ኣማኻሪ ምንቅስቓስ ከሰንየኩም እውን ይኽእል እዩ። ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ቆጸራ ንምሓዝ ብቁጽሪ ተሌፎን 0183- 40 84 44 ደውሉ።