መጓዓዝያ ብውልቃዊ ዓቀን
Welzorg Go Rolstoelauto
(ቀደም Zonnebloemauto ዝበሃል ዝነበረ)
ዓረብያ ስንኩላን ወይ ናይ ምንቅስቓስ ስኩተርኩም ሒዝኩም ክትወጽኡን ክትዛወሩን ትደልዪ ዲኹም? ስለዚ ብመንገዲ Welzorg Go ኣቢልኩም ናይ ዓረብያ ስንኩላን መኪና ክትካረዩ ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ከባቢኹም ዝመጸ ሰብ ንኣብነት ኣባል ስድራ-ቤት፣ ዓርኪ ወይ መሓዛ ድማ ነታ መኪና ክዝውራ እዩ። ብኸምዚ ርእስኹም-ክኢልኩም ብሰላም ክትጓዓዙ ትኽእሉ።
እዚ ንመን እዩ?
- ዓረብያ ስንኩላን ወይ ናይ ምንቅስቓስ ስኩተር ዝጥቀሙ ሰባት
- ካብ 3 ክሳብ 5 ተወሰኽቲ ሰባት ድማ ክጽንበሩ ይኽእሉ
ብኸመይ ተዋድድዎ?
- ናብ 088-001 6717 ደውሉ
- ወይ ድማ ብመንገዲ፡ www.welzorg.nl/auto-op-maat/zonnebloem
ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?
- ንዋጋታት ኣብዚ ተመልከቱ፡ www.welzorg.nl/auto-op-maat/zonnebloem
- ብናይ Zonnebloempas ካርድ ጎደሎ ዋጋ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም
- ተወሳኺ ወጻኢታት፡ ናይ ምዝገባን ነዳዲን
ብኸመይ ትኸፍሉ?
- እቲ ዝኽፈል ፋክቱር ብኢ-መይል ክትቅበሉ ኢኹም
- ነታ መኪና ድማ ምሉእ ነዳዲ መሊእኩም እንደገና ተረክብዋ
ንምፍላጡ ጽቡቕ
እንስሳ ዘቤትን ሓገዝቲ ኣኽላባትን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
Hartenbus
HartenBus ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኮይኑ ብ HartenBrigade ዝወሃብ እዩ። እታ ኣውቶቡስ ካብን ናብን De Jager ኣብ Giessen ትጓዓዝ፣ ኣብኡ ድማ HartenBrigade ንጥፈታት የዳሉው እዩ። HartenBus ንሰባት ካብ ገዝኦም ትወስዶም፣ ብድሕሪኡ ድማ ትመልሶም። ኩሉ ኣብ Altena ዝነብር ናብ HartenBrigade ክበጽሕ ዝደልይ ሰብ ነዚ ኣገልግሎት ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
እዚ ንመን እዩ?
ንኹ ኣብ Altena ዝነብር ናብ HartenBrigade ክበጽሕ ዝደልይ ሰብ።
ብኸመይ ተዋድድዎ?
ኣብ ኣውቶቡስ መንበር ንምሕዛእ፣ ብቁጽሪ ተሌፎን 06 - 38 69 48 00 ደውሉ።
ክንደይ ወጻኢታት ይሓትት?
- ወለንታዊ ኣበርክቶ
- ክንደይ ክትልግሱ ከም እትደልዩ ንስኹም ባዕልኹም ኢኹም ትውስኑ።
ብኸመይ ትኸፍሉ?
እቲ ወለንታዊ ኣበርክቶ ብጥረ ገንዘብ ክኽፈል ይኽእል እዩ።
ንምፍላጡ ጽቡቕ
- መሰጎሚ መንኰርኰር ወይ ዓረብያ ስንኩላን ክትማላእ ይፍቀድ እዩ
- ናይ ሓገዝ ከልቢ ክትማላእ ይፍቀድ እዩ (ካልኦት እንስሳ ዘቤት ኣይፍቀዱን እዮም)